Monday 22 December 2014

ክንዮ ፖለቲካ: ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳዕቤናት ሽግራትና


ክንዮ ፖለቲካ: ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳዕቤናት ሽግራትና

ብ ዶ/ር መሓመድ ኼር ዑመር
Posted at assenna 2012

ንሕና ኤርትራውያን ኣመና ግዙኣትን ቅዩዳትን ፖለቲካዊ ሃልኪ ካብ ምዃንና ዝተላዕለ፡ ሰባት ምዃንና፡ ከም ሰባት መጠን እነተንፍስ፡ እንነብር፡ እነፍቅር፡ እንጸልእ፡ እንሓምም፡ እንጉሂ፡ እንሕጎስን እንመውትን ምዃንና ንዝንግዕ፡፡ ከም ሰባት መጠን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ፖለቲካ ዕረፍቲ ክንወስድን ነብስና ክንግምግምን የድልየና ናብ ካልኦት ጉዳያት ከነቃልብን ይግባእ፡፡ ኩላትና ክም  ፖለቲከኛታት ክንዋሳእ ንደሊ፡፡ እታ እንኮ ናይ መጻኢ ስራሕና ከኣ ፖሎቲካን ስልጣን ምጭባጥን ጥራሕ ይመስል፡፡  ህርፋን ስልጣንን ኣብ መሪሕነት ንምምጻእ ህርድግ ምባልን ሳዕሪሩ ይርአ፡፡ እዚ ከኣ፡ ፖለቲካ ኣብ ክንዲ ንኣገልግሎት ህዝቢ ነውዕሎ፡ ከም ናይ መጻኢ ናይ መነባብሮ ሞያ ገይርና ዝሓዝናዮ ስለዘምስል ብጣዕሚ ኢዩ ዘሰክፍ፡፡

እቲ ዝገደደ ከኣ፡ ሰባት ምስ ሓሳባትካ ምስ ዘይሰማምዑ፡ ብተበላጽነትን ብህርፋን ስልጣንን ይሓምዩኻ፡፡ ካልኦት ቅዉም-ነገራት ከምዘየለዉ፡ ኩሉ ዘረባታት ብዛዕባ ስልጣን ጥራይ ይኸውን፡፡ ብርግጽ፡ ፖለቲካዊ በለጻትን ተበለጽትን ከምዝጸንሑን ዘለዉን፡ ዕድላት ኣብ ዝኽሰትሉ ኣጋጣሚታት ካልኦት ዝጸዓሩሉ ረብሓ ዝምንጥሉ ምንባሮምን ምህላዎምን ዘይከሓድን ታሪኽ ዝምስክሮን ሓቂ ኢዩ፡፡ ንሕና ግን ብዛዕባ ፍሽለትና፡ ድኽመትናን ጌጋታትና ምዝራብ ኣይለመድናን፡፡ ሓደ ሰብ ብቅኑዕ ልቦና ጌጋታቱ ምስ ዝቕበል፡ ኣብ ክንዲ ብኣዎንታ ዝርአን ዝተባባዕን ከም ድኽመት ስለዝውሰድ ንቅንዕና ዘዳኽም ተርእዮ ይኸውን፡፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓላውን ተጣባቕን ዘይብሎም ኣኽላባት ጽርግያ ዓድና አእማን እናደርበናን እናዓመጽናን ስለዝዓበና፡ ኩሉ ግዜ ሓያላትን ብሉጻትን ዝኾንና ኮይኑ ይስምዓና፡፡

ናይ ከበሳታት ኤርትራ ማሕበራዊ ክዉንነት ምስ ማሕረስ ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ፡ ምእኩል ኣተኣላልያ ማሕበራዊ ህይወት ዝኽተል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ቆላታት ኤርትራ ግን ምስ ምስባኽ፡ ምስጋምን ጉስነትን ስለዝተኣሳሰር ዘይምእኩል ኣተኣላልያ ማሕበራዊ ህይወት ኢዩ ዝኽተል፡፡ እዚ ዝተፈላለየ ኣተኣላለየ ማሕበራዊ መነባብሮ ከኣ ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝርአ ተዋሳእነትና ብኡ መንጽር ከምዝጸልዎ ርዱእ ኢዩ፡፡ ካልኦት ብዘይካ እዞም ዓበይቲ ነገራት፡ ምስ ውልቃዊ ጠባያትና ተኣሳሲሮም ዝኸዱ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መንጸብረቕታታት`ውን ኣለዉ ኢዮም፡፡ ንኣብነት፡ ዶክተር ብዝብል ማዕርግ ኣዚና ኢና ንኣምን፡፡ ዶክተር ዝብል መጸውዒ ማዕርግ ዘለዎ ሰብ ከኣ፡ ዝያዳ ይስማዕን ዝያዳ ቦታ ይህልዎን፡፡ ገለ ሰባት በቲ ዶክተር ዝብል ማዕርጎም እንተዘይጸዊዕካዮም ይሓርቁ ኢዮም፡፡ ሓደ እዋን ምስ ሓደ ከምዚ ናይ ዶክተር ማዕርግ ዘለዎ ሰብ ኮፍ ኢለ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሓደ ሰብ ነታ ዶክተር ትብል ማዕርጉ ከይሰመየ ስዝጠቐሶ ተቖጢዑ፡ `ሰሪሐ እኳ ኢየ ኣምጺአዮ` ኢሉ ነዲሩ ክምልሰሉ እዝክር፡፡      


ዉጉዝ (ነውሪ)

ሕማም ስነ-ኣእምሮ ከም ዉጉዝ ወይ ከም ጾር ይውሰድ፡፡ በዚ ኣተሓሳስባ እዚ እምበኣር ወይ ጥዑያት ወይ ከኣ ዕቡዳት ኢና፡፡ ወይ ጻዕዳ ወይ ጸሊም፡ ማእከላይ ዘይብሉ ከም ንማለት፡፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ሰብ ከም መዘናግዒ ገይርካ`ውን ይውሰድ ኢዩ፡፡ ከተማታት ኤርትራ ነናታተን ፍሉጣት ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝነበሮም ሰባት ነይሮመን፡፡ ንኣብነት፡ ኣብ ከተማ ኣቑርደት ካብ ዝነበሩ ንምጥቃስ በለማት፡ ዑስማን ቡን፡ ሓመድ-ሽፋ፡ ፋጥና-ግርሽ፡ ኣብርሀት ... ከምኡ`ውን ጋሊለዮ ምዝካር ይከኣል፡፡ ምስዚ ኩሉ ግን፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሕሙም ስነ-ኣእምሮ ተመሲልካ ብዙሕ ናይ ስለያ ስራሓት ይካየዱ ነይሮም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ሕ/ሰባት ዝተፈላለዩ መለክዒታት ወይ መምዘኒታት ጥዕና ይርከቡ፡፡ ወላ`ውን ስንክልና ዘለዎ/ዋ ውላድ ወይ ጠዋሪ ዝደልዩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዘለወን ገለ ስድራታት እንተወሲድና፡ ከም ሕፍረት ወይ ከቢድ ጾር ተገይሩ ክውሰድ ንዕዘብ፡፡ በንጻሩ ከኣ፡ ነቲ ተረኽቦ ብዘይሕፍረትን ምክባድን ተቐቢሎም ኩሉ ዝከኣሎም ሓገዛትን ምትብባዓትን ብምግባር ናይ ጽቡቕ ኣብነት ዝኾኑ ዉሑዳት ኣይኮኑን፡፡ ንኣብነት፡ ዝፈልጦ መሳርሕተይ ንስንክልና ዘለዋ ውላዱ ዘርእዮ ፍቕርን ምክንኻንን ኣዝዩ ዝነኣድ ኢዩ፡፡ ኣብ ልዕሊኣ ዘለዎ ፍቕሪ ከኣ መንገዲ ናብ ገነት (መንግስተ-ሰማያት) ምዃኑ`ዩ ንሱ ዝገለጽ፡፡ ከምኡ ከኣ ኢዩ ኣተሓሳስባና ክኸውን ዝግበኦ፡፡

ንሕና ኤርትራውያን ብዙሕ ሓሳረ-መከራ ዘሕለፍናን ነሕልፍ ዘለናን ህዝቢ ኢና፡፡ ንልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ ውግእን ወረ-ውግእን ኣሕሊፍናዮ፡፡ እንርከቦ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ`ውን ንነዊሕ እዋናት ናይ ህውከት ዞባ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን፡፡ ንሕና ኤርትራውያን ከም ሰባት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምኽርን ፍወሳን የድልየና ኣሎ፡፡

ብዙሓት ገዳይም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ክሳብ ሕጂ ሃገሮም ክበጽሑ ኣይከኣሉን፡፡ ብዙሓት ካብዞም ሓርበኛታት`ውን ኣብ ፍቕዶ መዓስከራት ሱዳን ኣብ ድኽነትን ሕማቕ መነባብሮን እናነበሩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም፡፡ ሞይቶም ምስተባህለ ጥራይ ከኣ`ዮም ብዉሑዳት ናይ ምስጋና ቃላት ዝዝከሩ፡፡ ኣብ ባህልና ምዉት ክቡር ኢዩ፡፡ ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ ሬሳ ብጽርግያ ኣብ ዝሓልፈሉ እዋን ኩሉ ሓላፍ መንገድን መካይን`ውን ሓዊስካ ደው ኢሎም ዘሕልፍዎ፡፡ ገለ ሓርበኛታት ገዳይም ተጋደልቲ ገና ክሳብ ሕጂ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር`ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት`ውን ይቃለሱ ኣለዉ፡፡ ገሊኦም ከኣ፡ ኣብ ፍቐዶ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለዉ፡፡ ብሰንኪ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስን ድሕሪኡን ዝተኸፍለ መስዋእትን፡ ብዙሓት ወለዲ ብዘይጠዋሪ ተሪፎም ኢዮም፡፡ ብዘይካዚ`ውን ኣብዚ ሕጂ ብዝርአ ዘሎ ጻዕቂ ስደት መንእሰያት ንብዙሓት ወለዲ ብዘይጠዋርን ኣብ ሕሱም ሻቕሎትን ኣውዲቑ ይርከብ፡፡

ኤርትራ ሃገርና ንሰለስተ ወለዶታት ዝቐጸለ ሰንሰለት-ስደተኛታት ኣፍርያ ትርከብ፡፡ ወለደይ ስደተኛታት ነይሮም፡፡ ኣነ ስደተኛ ኮይነ ሓሊፈዮ፡፡ ሕጂ ከኣ ደቀይ ስደተኛታት ኣለዉ፡፡ ገለ ስደተኛታት ኣብ ሳልሳይ-ዓለም ይርከቡ፡፡ እዚኣቶም ጉቡእ መሰላት ተሓሪምዎም ኣብ ሕማቕ መነባብሮ ዝነብሩ ኢዮም፡፡ ንኣብነት፡ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘሕልፍዎ ናይ ሽቑረራ ሂወት ምጥቃስ ይከኣል፡፡ ናይ ምንቅስቓስ መሰላት ተሓሪምዎም ኣብ ትሕቲ ምሕረት ውክልና ዝወሰዱሎም በላዕተኛታት (ከፊል) ኢዮም ዝነብሩ፡፡ ደቆም ግቡእ ናይ ትምህርትን ጥዕናን ኣገልግሎት ኣይረኽቡን፡፡ ዋጋ ዘይብሉ ሕሱር ሰብ ተገይሩ ይቑጸር፡፡ ብኡ መጠን ከኣ ኣብ ቀጻሊ ጭንቀትን ጸቕጢ ኣእምሮን ይነብር፡፡ ሓጅ ጃብር ዝበሃል ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ፡ `ሳምራዊት` ኣብ እትብል ብልጫ ዝወተዓወተት መጽሓፉ (ዛንታ/ ርዋያ)፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ዘሻቕል ናይ ስደት ናብራ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ፡፡

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ሸቃሎ ደቂ-ኣንስትዮ እተን ብዝያዳ ዝውጸዓ ንሳተን ኢየን፡፡ ንነዊሕ ሰዓታት ብዘይ ዕረፍቲ ይሰርሓ፡፡ ግዳያት ጾታውን ካልእ ዓመጻትን ይኾና፡፡ መብዛሕቱ እዋናት ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ምዝራብ ከም ነውሪ ስለዝውሰድ ተዓብዒቡ ከይተዘርበሉ ይተርፍ፡፡

ስደት ናብ ሃገራት ምዕራብ ምስ እንምልከት ከኣ፡ እቲ ሕቶ ናይ መንነት፡ ባህልን ናፍቖት ዓድን ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ስደተኛታት ኣብ ዓዶም ክብርታት ከም ዝነበሮም፡ እቲ ናይ ምዕራብ ሃገራት ሂወቶም ግን መንነት ዘይብሎምን ተነጽሎ ከምዝስመዖምን ዝገብር ገይሮም ይርእይዎ፡፡

ወላ`ውን እዞም ብ መንእሰያት-ህግደፍ (YPFDJ) ዝፍለጡ ኣብ ፍቐዶ ፌስቲባላት ህግደፍ ዝስዕስዑ መንእሰያት`ውን እንተኾኑ ግዳያት ኢዮም ክበሃል ይከኣል፡፡ ንሳቶም ግን ኣብ ፌስቲባላት ህግደፍ ብምስዕሳዕን ዓዲ ብምምልላስን ነቲ ዘለዎም ቅልውላው መንነት ፈውሲ ዝረኸቡሉ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዖም፡፡

 እንተኾነ ግን እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ መንእሰያትን ቆልዑን ኢዮም ብዝያዳ ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ፡፡ ካብ ዕድመ 15ን 16ን ኣትሒዞም ናብ ክረምታዊ ማእቶት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክወፍሩ ይግደዱ፡፡ ተመሃሮ 12 ክፍሊ ንሳዋ ተወሲዶም ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ትእዛዝ `ይመሃሩ`፡፡ ኩለን እተን ኮለጃት ተባሂለን ዝጽወዓ ዘለዋ`ውን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ኢየን ዝመሓደራ ዘለዋ፡፡ እቶም ንሃገራዊ ኣገልግሎት ተባሂሎም ዝውሰዱ መንእሰያት ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነታዊ ግዱድ ዕስክርና ዕድመ ንእስነቶም ከምዝበሊ ይኾኑ ኣለዉ፡፡ ኣብተን ቀዳሞት ዉሑዳት ዙርያታት ግዱድ ዕስክርና ዝተወስዳ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ሓደ ንድሕሪት ዘኽይድ ጸቕጥን ጭንቀትን ዝፈጠሮ ሕማም (stress/anxiety induced psychomotor disorder) ኣማዕቢለን ምንባረን ዝዝከር ኢዩ፡፡ መንእሰያት ኤርትራ ብንእሽቶ ጌጋ ወላ`ውን ኮነ ተባሂሉ ዝወርዶም ግፍዕን ስቓይን ማእለያ የብሉን፡፡ ኣብ መደብ ተዛረብ ናይ ፓልቶክ-ስመር ክቃላዕ ዝጸንሐን ዘሎን መስደመም ግፍዕታት ዘሰንብድ ኢዩ፡፡ እዚ ኣብ መደብ ተዛረብ ፓልቶክ-ስመር ዝቃላሕ ዘሎ ግፍዕታት ህጻናት ክሰምዕዎ የብሎምን ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንድ`ዚ ዝኣክል ግፍዕን ስቓይን ከምዘሎ ብጭብጥታት ተሰኒዩ ክግለጽ እንከሎ ብጣዕሚ ኢዩ ዘስካሕክሕ፡፡ ምስዚ ግፍዕታት ተተሓሒዙ ከም ኣብነት ክግለጽ ዝግበኦ እቲ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማ ዝወርድ ማእሰርትን ግፍዕን ኢዩ፡፡ ከምቲ ዝድለ ዘይዝረበሉ ምዃኑ ከኣ፡ ብጣዕሚ የተሓሳስብ፡፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ነዚ ጉዳይ እዚ ኣስፊሖም ክዛረቡሉን ብትሪ ክቃወምዎን ይግባእ ጥራይ ዘይኮነስ መሰላት ውጹዓት ኣካላት ሕ/ሰባትና ናይ ምሕላው ግቡእ ኩላትና ምዃኑ ክንግንዘብ ኣለና፡፡

ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ዝወረዶም ሰባት ፍልይ ዝበለ ባህርያት ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ ጭቡጥ ስታትስቲካዊ ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ኤርትራ ብዓሰርተታት-ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከምዘለዉን ብኡ መጠን ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ እሱራት ምህላዎም ኢዩ ዝፍለጥ፡፡   ግዳያት ናይዘን ኣብያተ-ማእሰርታት እምበኣር ብዝተፈላለዩ ጸገማት ስነ-ኣእምሮ ከምዝሳቐዩ ዘጠራጥር የብሉን፡፡ እቶም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ብዝወርዶም ግፍዕን ስቓይን ኣእምረኦም ዝስሕቱ ወይ ኣካላዊ ስንክልና ዘጋጥሞም ከኣ፡ ጾር ተቖጺሮም ብዘይዝኾነ ካሕሳን መናበይን ናብ ስድራ-ቤታቶም ይምለሱ፡፡ ስለዚ እቶም ስድራ-ቤታቶም ክናብዩ ዝግበኦም መንእሰያት ተናበይቲ ኮይኖም ናብቶም ናባዪ ዝደልዩ ወለዶም ክምለሱ እንከለዉ ዝፈጥሮ ማሕበራዊ ቅልውላው ከቢድ ኢዩ፡፡ ምስ እዚ ኩሉ፡ እዞም ወለዲ እዚኣቶም ነቶም ኣብ ፍቐዶ ፌስቲባላት ህግደፍ ዝስዕስዑ መንእሰያት ክሪኡ እንከሎ እንታይ ኮን ይስመዖም ይኸውን፧

ሽግራት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኤርትራ ኣልዒልካ ምዝራብ ከኣ`ሞ ዝገደደ ኢዩ፡፡ ኣዝዩ ዝኸፈአ ሽግር ዘጋጥመን ደቂ-ኣንስትዮ ኢየን፡፡ ብዙሕ ዓመጽ ኢዩ ዘጋጥመን፡፡ ስጋዊ ዓመጽ ምስ ዘጋጥመንን ከም ሳዕቤን ንዝኽሰት ሽግር ክጻወረኦ ብዘይምኽኣለን፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢየን ዝወድቃ፡፡ ዘይተደልየ ጥንስን ምስዳድ ጥንስን ምስ ደረጃ ኣተሓሳስባ ሕ/ሰብና ኣብ ግምት ኣእቲና ምስ እንሪኦ፡ ካብ ተነጽሎ ንምህዳም ኢለን ዝገብረኦ ፈተነታት እንኮላይ ነብሰ-ቅትለት ዘጠቓለለ ኢዩ፡፡


ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ጸቕጥን

እቲ ንመንእሰያትን ወለዶምን ዘጋጥሞም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ጸቕጥን፡ እቶም መንእሰያት ካብ ሃገሮም ካብ ዝወጹላ ህሞት ኣትሒዙ ኢዩ ዝጅምር፡፡ ገሊኦም መንእሰያት ናብ ሃገራት ምዕራብ ንምብጻሕ ብመንገዲ ሱዳን ወይ ኢትዮጵያ ንምስጋር ኣብ ዝገብርዎ ፈተነታት፡ ወይ ይቕተሉ ወይ ይተሓዙ፡፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ጓለይ ብሕቡእ ካብ ኤርትራ ንምውጻእ ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ፡ ክልተ መዓልታት ክወስደላ ዝግባእ ጉዕዞ ዓሰርተ ኣህለኽቲ መዓልታት ወሲዱላ፡፡ ብጣዕሚ ከቢድን ሓደገኛን ኢዩ፡፡ ገሊኦም መንእሰያት ሱዳን ክኣትዉ`ውን ኣይክእሉን፡፡ እቶም ኣብ ሱዳን ዝበጽሑ ከኣ ብዙሕ ጸገማት ኢዩ ዘጋጥሞም፡፡ ብፍላይ እቶም ብቋንቋ ዓረብ ክረዳድኡ ዘይክእሉን ኣብ ወጻኢ ቤተ-ዘመድ ዘይብሎምን ግዳያት ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ኢዮም ዝኾኑ፡፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ከኣ፡ ዘይተጸበይዎ ፍልይ ዝበለ `ግፋ`  የጋጥሞም፡፡ እቶም ዝተሓዙ ከኣ፡ ወይ ከቢድ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክኸፍሉ ይሕተቱ ወይ ከኣ ንኤርትራ ይጥረዙ፡፡

ኣብ`ቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጉዕዞ፡ ገሊኦም ንኣጻምእ ሰሓራታት ኣቋሪጾም ብሊብያን ግብጽን ኣቢሎም (ወይ ብፍታዎም ወይ ተጨውዮም) ናብ ሲናይ ይዓልቡ፡፡ ቅድሚ ቅሩብ ሳምንታት፡ ገለ መንእሰያት ዓፈር ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ክሰግሩ ክብሉ ሂወቶም ስኢኖም፡፡ ከምኡ`ውን እቲ ብሰፊሑ ዝተዘርበሉ መቕዘፍቲ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሜዲትራንያንን ሲናይን ምጥቃስ ይከኣል፡፡ ኣብ ልዕሊ ውጻእ-መዓት ግዳያትን ቤተ-ሰባት ግዳያትን ዝወርድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ጸቕጢ ከኣ፡ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን፡፡ እቶም ነዞም ብከምዚ ዓይነት ሽግራት ሓሊፎም ዑቕባ ዝሓቱ መንእሰያት ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፉ ወለንተኛታት ከም በዓል ሜሮን እስቲፋኖስን ኤልሳ ጭሩምን ካልኦትን ዘካይድዎ ጻዕሪ ከቢድ ምዃኑ ምዝካር ከኣ ግቡእ ኢዩ፡፡ ዎለንተኛታት ናይ ዝኾነ ይኹን ውድብ ወይ ሰልፊ ኣባላት ክኾኑ የብሎምን ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ፖለቲካን ንጥፈታት ግብረ-ሰናይን ክፈላለ ስለዘለዎ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ዉፉያት ወለንተኛታት ኣብ ንጥፈታት ግብረ-ሰናይ ብምውፋር ዝነኣድ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ፡፡ ሱልጣን ዑመር ዳይሬክተር Ethar ሓደ ካብኣቶም ኢዩ፡፡ ሱልጣን ዑመር ነቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ዝተረስዑ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ብዙሕ ጻዕርታት ዝገብር ዘሎ ሰብ ኢዩ፡፡ ዶክተር ኣልጋነሽ ፍሰሃ`ውን ሓንቲ ካብቶም ዝነኣዱ ወለንተኛታት ኮይና ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ብዙሕ እትጽዕር ዘላ ሰብ ኢያ፡፡ እዞም ኩሎም ኣብ ከምዚ ሰባዊ ኣበርክቶ ዝተዋፈሩ ህርኩታት ወለንተኛታት ከኣ፡ ናይ ኩላትና ሓገዛትን ምትብባዕን የድልዮም፡፡ ምኽንያቱ፡ ስንባደን ጭንቀትን ብዝፈጥሮ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝሳቐዩ ሰባት ምሕጋዝ ኣቃሊልካ ክርአ ስለዘይግበኦ፡፡

ምዕባለ ወይ ምዕቡል ደረጃ መነባብሮ፡ ኣብ ምዕራብ ዓለም`ውን ዕግበት ኣየምጸአን፡፡ `ዘይዉሑስ ዕግበት/ ዕግበት ውሑስ ኣይኮነን` - ’Satisfaction is not guaranteed’ -  ኣብ ትብል መጽሓፉ፡ ፒተር ስተርንስ (Peter Sterns) ብዛዕባ እዞም ጉዳያት እዚኣቶም ገሊጹ ኣሎ፡፡ እቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ጥጡሕን ምዕሩይን ሂወት ዝነብሩ`ውን እንተኾነ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ጭንቀትን ጸቕጥን ይቃልዑ ኢዮም፡፡ ዓለማዊ ጸብጻባት-ስታቲስቲክስ ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት (Global depression statistics) ከምዝሕብሮ፡ 15% ካብ ህዝብታት ናይተን ዝጠጠሐ መነባብሮ ዘለወን ሃብታማት ሃገራት ምስ 11% ካብ ህዝብታት ናይተን ማእከላይ-ጥጡሕ መነባብሮ ዘለወን ሃገራት ብምዝማድ ከረአ እንከሎ፡ እቶም ቀዳሞት ብዝያዳ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ዝተጠቕዑ ምዃኖም የመልክት፡፡ ገለ ካብቶም ናብዘን ምዕቡላት ሃገራት መዕቆብን ወረቕትን ተዋሂቡና እንነብር ዘለና`ውን እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ሕሉፍ ኣጋጣሚታት ካብ ዘጓነፈና ጸገማት ዝተላዕለ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ጸገማት ከነማዕብል ንኽእል ኢና፡፡


ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት

ሕማም ስነ-ኣእምሮ ብፍላይ ከኣ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ከም ሕፍረት ክውሰድ የብሉን፡፡ ከም ሕማም ሽኮርያን መንሽሮን ገይርና ክንወስዶ ይግባእ፡፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሕማማት ሰብ ከይመረጸ ካብ ተራ ሰብ ክሳብ ዓበይቲ ጸሓፍቲ፡ ስነ-ጥበባውያን፡ መራሕቲ ሃገራት ወዘት. ንኩሉ ዘጥቅዕ ኢዩ፡፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዘለዎ ሰብ ካብ ጭንቀት ዘይብሎም ሰባት ኣይንእስን ኢዩ፡፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዘለዎ ሰብ ብቐጥታ ናብ ሕክምና ከይዱ ኣድላዪ ምርመራ ክገብርን፡ ካብ ናይ ኣእምሮ ክኢላታት ኣድላዪ ምኽርን ክንክንን ክረክብ ይግባእ፡፡ ብጀካ`ዚ`ውን ምስ ቤተ-ሰቡን ቀረባ አዕሩኽቱን ፈትውቱን ብዛዕባ ጸገሙ ክዛረብ ይግባእ፡፡ ጸገምካ ብኣግኡ ብምግላጽ ግቡእ መድሃኒት ክርከብ ይከኣል ኢዩ፡፡

ሓደ ሰብ፡ ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዝኣምሰሉ ጸገማት ኣብ ዘጋጥሞ እዋን ኣዝዩ ከም ዘሸግሮ ርዱእ ኢዩ፡፡ ጭንቀት ማለት ከም ኣብ ሓደ ገዛ ኣቲኻ ብውሽጢ ልኩት ኣቢልካ ትዓጽዎ`ሞ ደሓር በየን ከም ትወጽእ ሕርብት ዝብለካ ማለት ኢዩ፡፡ ረዳኢ ዘይብልካ ኮይኑ ይስመዓካ፡ ድቃስ ትስእን፡  ዓቕሊ-ጽበትን ተስፋ ምቑራጽን ይበዝሕ፡፡ ኩሉ ነገር ቅጭ ዘምጽእ ይኸውን፡ ምንባር የጽልእ፡፡ ነብሰ-ቅትለት ከም ኣማራጺ ይውሰድ፡፡ ስለዚ፡ ኣብ ከባቢ ከምኡ ዓይነት ሽግር ዘለዎ ሰብ ዝረከቡ ሰባት ነቲ ኩነታት ኣስተብሂሎም ኣድላዪ ሓገዛትን መተባቢዒታትን ክገብሩሉ ይግባእ፡፡ ከም ከኒናታት ዝኣምሰሉ (psychiatric medicines) ናይ ስነ-ኣእምሮ ኣፋውስ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት፡ ናብ ነብሰ-ቅትለት ዝደፋፍእ መንፈስ ከምዘማዕብሉ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም፡፡ ንኹሉ-ኹሉ፡ ናይ ኪላታት ስነ-ኣእምሮ ሓገዝ ምሕታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን፡፡ ከም ኮግኒቲቭ-ቴራቢ (cognitive therapy) ዝኣምሰሉ ኣገባባት ፍወሳ ምጥቃም ሓጋዚ ኢዩ፡፡ ከምኡ`ውን ኦንላይን ሓባራዊ ናይ ኢሂን-ምሂን መደብ (online interactive programme) ምዝውታር ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል፡፡

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይዚ ኩሉ ሓሳረ-መከራን ጸበባን ንነዊሕ ዝቕጽል ሳዕቤናቱን ተሓታቲ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን፡፡ ከም ዝመስለኒ፡ ድሕሪ ምእላይ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ብዙሓት ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላታት ከድልዩና ኢዮም፡፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ብናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገማት ዝሳቐዩ ሰባት ክህልዉ ስለዝኾኑ፡፡ እቶም ትምህርቲ ስነ-ኣእምሮ ዘጽንዑ ምሁራት ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ነዚ ጸገማት እዚ ብከመይ ኣገባብ ከምዝገጥምዎ እንተዝማኸሩን ሓገዛቶም ካብ ሕጂ - ብፍላይ ሓገዝ ንመንእሰያት - ምብርካት እንተዝጅምሩን ኣገዳሲ ምኾነ ኢለ እኣምን፡፡ እምበኣር፡ ዝያዳ ኣድህቦ ናብቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ናይዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ሓሳረ-መከራ ክንገብር እምነ፡፡ ምኽንያቱ፡ ሂወት ካብ ፖለቲካ ዝዓብዩ ኣዝዮም ብዙሓት ነገራት ዝሓቖፈት ስለዝኾነት፡፡             

                      


  

                     




   

1 comment:

  1. ናይ ደኩተር ርእሶም መጽሓፍ ዘሕተሞ ይህሉ ዶ ይኸዉን

    ReplyDelete